ዙረትን ናይ ትምህርቲ ጒዕዞን

Antrag herunterladen
Sprache auswählen
እቲ ዝኽፈል እንታይእዩ?
– ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት
– ዑደት ክፍሊታት
– ብርክት ዝበላ መዓልታት ዝወስድ ዑደታትን ምስ እንዳ ቈልዑ ዝግበር ዙረትን
ንመን እዩ ዝኽፈል?
ትሕቲ 25 ዝዕድሜኦም ቈልዑን ተመሃሮን ናብ ሓፈሻዊ ወይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱን ሓገዝ ዘይረኽቡን።
ክንደይ እዩ ዝኽፈል?
– ሓቀኛ ዋጋ (ከም ኣካል ቀረብ ትምህርቲ ዝሕሰብ)
– ዝበዝሐ እዋን ኩሉ ነገር
ብኸመይ እዩ ዝዓዪ?

ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ቤትትምህርቲ ዲኻ ወይስ ናይ ክፍሊ ዑደት ኢኻ
እትደሊ ከከም ድሌትካ ፍልልይ ኣሎዎ

ናይ ሓደ መዓልቲ ዙረት
እንድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ተወጢኑ ኣሎ ኮይኑ ካብ ቤትትምህርቲ ናይ
ወለዲ ወረቐት ክመጻካ እዩ። እዚ ደብዳቤ መዕልቦኻ፡ መዓልቲ እቲ ዙረትን
ወለዲ ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብን ዘጠቓልል እዩ።

Pro Arbeit ኲሉ ወጻኢታት ጒዕዞ ክሽፍነልካ እዩ።

ነዚ ብምባል ነቲ ፎርም ውሰዶ AUSFLÜGE & KLASSENFAHRTEN(ዙረትን ዑደትን ክፍሊታት)።
Pro Arbeit ኣብ ኲሉ ምርግጋጽ ከካይድ እዩ። ወለድኻ ምልክታ ክመጾም እዩ። እቲ ወጻኢታት ናብ ሕሳብ ባንክ
ወለድኻ ዝመሓላለፍ እዩ።

ጒዕዞታት B ንሓያሎ መዓልታት ዑደት ክፍሊታት ዝጸንሑ እዮም።
ኣብ ናይ ክፍሊታ ጒዕዞ ክትሳተፍ እንተደሊኻ ናይ ጒዕዞን መሕደሪን ወጻኢታት ከም ዘለዎ ዘክር ኢኻ። እቶም
መጠን ወጻኢታት ቅድሚ ጒዕዞ ኣብ ዘሎ ግዜ ክውሰኑን ክንጸሩን ኣለዎም።

Pro Arbeit ንወጻኢታት ጒዕዞ ኲልሳዕ ክሽፍኖ እዩ።

ነዚ ነቲ AUSFLÜGE & KLASSENFAHRTEN (ዙረትን ዑደትን ክፍሊታት). ዝብል ፎርም ጥራይ ውሰዶ።
ወለድኻ ንቅድሚት ገጽ ዘሎ ይመልእዎ።

እቲ እንዳ ቈልዑ ነቲ ዳሕረዋይ ገጽ ክመልእዎ ኣለዎም።

እቲ እተመልአ ፎርም ናብ Pro Arbeit ይለኣK ናብ ኲሉ ከረጋግጽዎ እዮም ኲሉ ነገር እንድሕር መመስርዑ
ሒዙ። ኲሉ ወጻኢታት ጒዕዞ ናብቲ ዝትወሰነ ቤት ትምህርቲ ወይ ጸብጻብ ክፍሊ ከሕልፎ እዩ።

ዘይተኸፍለ እንታይ ኣሎ?
– ኣብ ግዜ ጒዕዞ ንዝህሉ ተወሳኺ ወጻኢታት ዝወሃብ ናይ ጁባ ገንዘብ ንኣብነት ኣይስክሪምን ቀሊል ቊርስን
– ንቡር መሰረታዊ ኣቕሑ ንኣብነት ናይ ጒዕዞ ሻንጣ፡ ናውቲ መሐንበሲ፡ ሸበጥ ዋላ’ውን ኣብ ዝርዝር ፓኪንግ
ይሃልዉ
ኣይትረስዕ:
– ደብዳበ ወለዲ ካብ እንዳ ቈልዑ
– ብርክት ዝበላ መዓልታት ንዝጸንሕ ጒዕዞ ተባሂሉ ካብ ቤት ትምህርቲ ወይ
እንዳ ቈልዑ ዝወሃብ መረጋገጺ ኣብ ድሕሪት ገጽ ኣሎካ
– ምልክታ ካብ Wohngeldstelle (ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኣባይቲ)
– ምልክታ ካብ Familienkasse (ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ስድራቤት)
(Kinderzuschlag)