ምሳሕ

Antrag herunterladen
Sprache auswählen
እቲ ዝኽፈል እንታይ እዩ?
ምሳሕ ብሓባር
– ኣብ መምሃሪ ቈልዑ እንዳ ቈልዑን
– ኣብ ቤት ትምህርቲ
– ኣብ ማእከል ድሕረ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ፥ እንድሕሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ብሓደ ሓላፍነት ዝወስድ ኮይኑ (ናይ ምትሕብባር ስምምዕ እውን ይህሉ እዩ)።
ንመን እዩ ዝኽፈል
ን ኣብ ምውዓሊ/እንዳ ህጻናት ዝርከቡ ከምኡ’ውን ትሕቲ 25 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ናብ ሓፈሻዊ ወይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲታት ዝኸዱ እሞ ምወላ ዘይወሰዱኡ።
ክንደይ እዩ ዝኽፈል
ምሉእ ወጻኢ ምሳሕ።
ብኸመይ እዩ ዝዓዪ?
ምሳሕ እንድሕር ክትበልዕ ደሊኻ ብሓባር ምስ ካልኦት ኣብ ካንቲን ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት Pro Arbeit ኲሉ ወጻኢታት ክሽፍንልካ ይኽእል እዩ
ነዚ እንተኾይኑ ስቕ ኢካ ነቲ ቅጥዒ ውሰዶ MITTAGESSEN (ምሳሕ ወለድኻ ነቲ ናይ ድሕሪት ገጽ ክመልእዎ ይኽእሉ እዮም እቲ ቤት ትምህርቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ኣብቲ ድሕሪት ገጽ ዋጋ ወዘተ ክመልኡ እዮም።
እቲ ምሉእ ቅጥዒ ናብ ክለኣኽ ኣለዎ Pro Arbeit። ኲሉ ነገር ከረጋግጽዎ እዮም ወለድኻ ምልክታ ክምጾም እዩ። እቲ ዋጋ በቲ ቀራባይ (ቤት ትምህርቲ፡ ኣግልጋሊ፣ ክለብ ወይ መውዕሊ ህጻናት ወዘተ፡) ክመሓላለፍ እዩ
Abrechnung
ኣይትረስዕ
– ምልክታ ካብቲ Wohngeldstelle (ቤት-ጽሕፈት ሓገዛት መንበሪ ገዛ)
– ምልክታ ካብቲ Familienkasse (ቤት-ጽሕፈት ሓገዛት ስድራቤት) (Kinderzuschlag)