

–ናብ ሓፈሻዊ ወይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲታት ዝኸዱ,
ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዘይረኽቡ ወይ
– ትሑት ነጥቢ ዘለዎም።
ምምሃር እንድሕር ደሊኻ ኴንካ ምልክታ ከትእቱ ናብ Pro Arbeit በዚ ድማ ወጻኢታትካ ክሽፈኑ እዮም።
ስለዚ ድማ ብቐሊሉ ነቲ ቅጥዒ LERNFÖRDERUNG (ደገፍ ትምህርቲ) ውሰዶ ። ወለድኻ ነቲ ቅድሚት ገጽ ይመልእዎን ነቶም መመልከቲታት ይፍርምሎምን።
እቲ ዳሕረዋይ ገጽ በቲ ቤትትምህርቲ እዩ ዝምላእ። ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ስለምንታይ ተወሳኺ ምምህርና ከም ዘድለየካ ክግለጽ ኣገዳሲ እዩ። መምሃራንካ ልዕሊ ዝኾነ ብዝበለጸ ይፈልጡኻ እዮም፡ ስለዚ ድማ ንሶም ጥራይ እዮም ንምምህርና ክሓርዩኻ ዝኽእሉ።
ሽዑ ንስኻ ነቲ ቅጥዒ ነቲ መምህር ወይ ክትከዶ እትደሊ ኤጀንሲ ምምህርና ትህቦ ዝርዝራቶም እውን ኣገደስቲ እዮም፡ ኣብ ድሕሪ እቲ ቅጥዒ ኸኣ ክህልዉ ኣለዎም Iብሕታዊ ምህሮ ክህልወካ እንድሕሪ ትደሊ ኣሎኻ ኴንካ (ንኣብነት ካብ ተመሃራይ ቊጽሪ SELBSTAUSKUNFT ቅጥዒ (ባዕለ-ግምገማ) ክምላእ ኣለዎ።
እቲ ዝተመልአ ቅጥዒ ናብ ክለኣኽ ኣለዎ Pro Arbeit። ንዂሉ ከረጋግጽዎ እዮም ብዛዕባቲ ንቤት ትምህርቲ ዝኣቱ ናይ መመልከቲ ወረቐት ሕቶታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም እንድሕሪ ከምኡ ኮይኑ ነቲ ናይ መመልከት ወረቐት ዝምስርሑ ሰባት ንወለድኻ ወይ ነቲ ቤት ትምህርቲ ክውከስዎም እዮም። ኲሉ ነገር መመስርዑ ሒዙ እንድሪ ኣሎ ኮይኑ ወለድኻ ምልክታ ክስደደሎምን ትምህርትኽእ ክጅመርን ይኽእል እዩ። Pro Arbeit ዋጋታት ትምህርቲ ናብ መምህር ወይ ናይ ምምህርና አጀንሲ ክመሓላለፉ እዮም።

–ጸብጻብ ትምህርቲ
– ካብ ዝወሃብ ምልክታWohngeldstelle (ቢት ጽሕፈት ሓገዝ ኣባይቲ)
–ካብ ዝወሃብ ምልክታ Familienkasse (ቤትጽሕፈት ሓገዝ ስራቤታትት) (Kinderzuschlag)
– ነቲ ና ብሕቲ ምህሮ ካብ መምህር ዝወሃብ ቅጥዒ ባዕለ ገምጋም
