–ናብ ሓፈሻዊ ወይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲታት ዝኸዱ,
ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዘይረኽቡ ወይ
– ትሑት ነጥቢ ዘለዎም።
ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ምርካብ ዘድልየኩም እንተኾይኑ፣ እቲ ወጻኢታት ንኽሽፈን ናብ ትምህርትን ተሳትፎን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ንምግባር፣ ነቲ ናይ LERNFÖRDERUNG (ትምህርቲ ደገፍ) ቅጥዒ ጥራይ ተጠቐሙ። ወለድኹም ነቲ ቀዳማይ ገጽ መሊኦም ነቲ መመልከቲ ይፈርምዎ። እቲ ድሕሪቱ ብቤት ትምህርቲ ክምላእ ይግባእ። ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ንምንታይ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክወሃበኩም ከምዘድልየኩም ብንጹር ክትገልጹ ኣገዳሲ እዩ። መምህራንኩም ዝያዳ ይፈልጡኹም እዮም፣ ስለዚ ንሳቶም ጥራይ እዮም ሓገዝ ትምህርቲ ክተግንዩ ከምዘለኩም ክመኽሩኹም ዝኽእሉ። ድሕሪኡ ሓገዚ ትምህርቲ ትደልዩ። ነቲ LERNFÖRDERUNG (ትምህርቲ ደገፍ) ዝብል ቅጥዒ ናብ እቲ ክትከድዎ እትደልዩ መምህር ወይ ትካል ትምህርቲ ሃቡ። እቶም ዝርዝራት እውን ኣገዳሲ ስለዝኾኑ ኣብ ድሕሪት ናይቲ ቅጥዒ ክህልዉ ይግባእ። እዚ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ኣገልግሎት ድሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ተመዝጊቡ ከምዘሎ ኣረጋግጹ። እዚ እንተዘይኮይኑ (ገና እንተኾይኑ)፣ ንዋጋታት ትምህርትን ተሳትፎን ንምሽፋን ፍቓድ ምሃብ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ነቲ ወሃቢ ሓገዝ ትምህርቲ አፍልጥዎ። ዝተመልአ ናይ LERNFÖRDERUNG (ትምህርቲ ደገፍ) ቅጥዒ ናብ ትምህርትን ተሳትፎን ስደዱ። ኩሉ ኣብኡ እዩ ዝፍተሽ። ሕጂ እውን ብዛዕባ እቲ መመልከቲ ሕቶታት ክህልው ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እቲ ጸሓፊ ምስ ወለድኹም ወይ ምስቲ ቤት ትምህርቲ ክራኸብ እዩ። ኩሉ ነገር ቅኑዕ ምስኾነ፣ ወለድኹም ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም፣ ሓገዝ ትምህርትኹም ድማ ክጅምር እዩ። ብቐጻሊ ናብ ሓገዝ ትምህርትኹም ከይድኩም መዓስን ንኣየናይ ትምህርቲን ኣብኡ ከም ዝነበርኩም ጽሓፉ። ትምህርትን ተሳትፎን ንሓገዝ ትምህርቲ ዝኸውን ወጻኢታት ብቐጥታ ናብቲ ዝጸደቐ መምህር ወይ ትካል የሰጋግሮ።
–ጸብጻብ ትምህርቲ
– ካብ ዝወሃብ ምልክታWohngeldstelle (ቢት ጽሕፈት ሓገዝ ኣባይቲ)
–ካብ ዝወሃብ ምልክታ Familienkasse (ቤትጽሕፈት ሓገዝ ስራቤታትት) (Kinderzuschlag)