ቀረባት ኣብያተ ትምህርቲ

Antrag herunterladen
Sprache auswählen
እዚ እንታይ እዩ?
ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ መጻሕፍቲ፡ ብርዒ፡ ናይ መስርሒ መጻሕፍቲ፡ ካልኲሌተራት ናይ ፎቶኮፒን ክልእ ንትረ ነገራትን ዝኸውን ሓገዝ ይወሃብ እዩ።
ንመን እዩ ዝኽፈል
ን ትሕቲ 25 ዝዕድሚኦም ተመሃሮ ናብ ሓፈሻዊ ወይ ሞያዊ ቤትትምህርቲ እኳ እንተኸዱ ሓገዝ ተመሃራይ ወይ „BAföG“ ዘይረኸቡ።
ክንደይ እዩ ዝኽፈል
Neu ab 2021:
– ካብ 1 ነሓሰ (ምጅማር ትምህርቲ) €103 ዩሮ
– ካብ 1 ለካቲት ምጅማር ካልኣይ መፋርቕ ዓመተ-ትምህርቲ €51,50 ዩሮኣብ ዝቕጽል ውሑዳት ዓመታት እቲ መጠን ብድንገት ክውስኽ እዩ።
ብኸመይ እዩ ዝዓዪ?

SGB II

ካብ ዝሕገዙ ስድራቤታት Jobcenter ኣብ 1-9 ዓመታት ዕድመ ህጻን ከምኡውን ወርሓዊ ሓገዛት ነሓሰን ለካቲትን ኣብ ቤትትምህርቲ እዮም ዝረኽብዎ።

ተመሃሮ 15ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ክልእኩ ኣለዎም ሓደ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ ።

ብኸመይ እዩ ዝዓዪ?

Kinderzuschlag | Wohngeld
ዝቕበሉ ስድራቤታት Wohngeld ወይ Kinderzuschlag ንትሑት መጠን ክፍሊት ካብዚ ዝስዕብ ከመልክቱ ይኽእሉ Pro Arbeit።

ስለዚ ድማ ብቐሊሉ ነቲ ቅጥዒ ውሰዶ SCHULBEDARF (ቀረባት ትምህርቲ)። ወለድኻ ይመልእዎን የካትትሉ ኸኣ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ እንድሕሪ ዕድሜኻ 15 ወይ ልዕሊኡ ኮይኑ ። ኲሉ ነገር ክለኣኽ ኣለዎ ናብ Pro Arbeit። ነቲ እተእትዎ ወረቐት ቼክ ክገብርዎ እዮም። ወለድኻ ምልክታ ክመጾም እዩ። እዚ ቀረብ ቤት ትምህርቲታት ናብ ወለድኻ ክመሓላለፍ እዩ።

ኣይትረስዕ:
–ምልክታ ካብ Wohngeldstelle (ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኣባይቲ)
– ምልክታ ካብ Familienkasse (ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ኣስራቤት) (Kinderzuschlag)
–ዕድሜኦም 15 ወይ ልዕሊኡ ዝኾኑ ምስክር ወረቐት ቤትትምህርቲ